ኣመል ማለት ተስፋ ማለት እዩ።

ኣመል ማለት ግብራዊ ምትሕግጋዝ ማለት’ዩ።

ኣመል ማለት ግብራዊ ርእስኻ ምኽኣል ማለት’ዩ።

ብምኽንያት ሃገርዊ ቃልሲ ንናጽነት ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ዝፈትውዎ ዓዶም ኤርትራ ተሰዲዶም፡ ኣብ ምብራቕ ሃገረ ሱዳን ብሓፈሻ፡ ኣብ ከሰላን ከባቢኣን ድማ ብፍላይ፡ ምቕማጥ ካብ ዝጅመሩ ዳርጋ ካብ 40 ዓመታት ንላዕሊ ኮይኑ ኣሎ።
ኩነታት ቁጠባዊ ትሕዝቶ እዚ ዞባ’ዚ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዘይሓልፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ንዕለታዊ መነባብሮ ወዲ ሰብ ዘድሊ ነገራት ዝጎድሎ ከም ዝኾነ ዝተመስከረሉ ወይ ዝተረጋገጸ እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ኣዝዮም ዝተጠቕዑ እቶም ርእሶም ክሕግዙ ዘይክእሉ ኣካለ ስንኩላን ማለት ናይ ኣካላዊ ኮነ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዘይብሎምን ህጻናትን እዮም።
ናይ ኣመል ኣበርክቶ ኣብዚ ኩነታትዚ እምበኣር ብመጀመርያ ቅልጡፍን ቀጥታውን ዝኾነ ኣድልዪ ሓገዝ ንስንኩላን፡ ከምኡምውን መድሃኒታት ናይ ሕክምና መሳርሒታትን ንሕሙማት ምብርካት እዩ።
እንሆ ኸኣ እመል ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት መጀመርያ 2005 ኣብ ሁሉው ቅርጽታት ወይ ኩነታት መነባብሮ ህዝቢ ብምምርኳስ ብዝለዓለ ኸኣ ምስ ሃገራውያን ማሕበር ረድኤታት (ንኣብነት ማሕበር ሓካይም ኤርትራ) ብሓባር ብምስራሕ ነቲ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ምምሕዳራዊ ቅርጺ ብምውጋድ ኣብ ክንድኡ ኻኣ ውልቃዊ ተበግሶ ብምትብባዕ ትሰርሕ።
ከምኡ’ውን ኣመል ካብዚ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ለካቲት 2006 ዓ.ም. ጀሚራ ብተወሳኺ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ትምህርቲን ስልጠናን ንጥፈታት ክትምውል ኩሉ ዝከኣላ ጻዕርታት ክተካይድ እያ። እቲ ዕላማ ድማ ፍልጠትን ክእለትን ናይቶም ዝምልክቶም ሰባት ብምትብባዕ ዓቕሞም ኣተሓባቢሮም ዕለታዊ ናብርኦም ከሰላስሉ ከተብግሶም ምሕጋዝ እዩ።
ቀንዲ ወይ ፍሉይ ኣትኩሮ ስርሓት ናይ ኣመል ኣብዚ መዳይ’ዚ ኸኣ ነቲ ናይ ምምሕዳር ወጻኢታትን ናይ ሓገዛት ምክፍፋላትን ንጥፈታት ብኪኢላታትን ብቑዕ ዝኾነ መሳለጢታትን ብዝተኻእለ መጠን ኣብቲ ቦታ ብዝርከብ ዓቕሚ ከምዝሳለጥ ብምግባርን ከምኡውን ኣብ ከሰላ ዝደራረብ ናይ ምምሕዳር ዕማማት በቲ ዘሎ ዓቕሚ ዝሳለጥ ምግባር እዩ።
ቀጻሊ መደብ ስርሓት ከኣ ኣብ ናይ መድሃኒትን ከምኡ’ውን ናይ ሕክምና መሳርሒታትን ብፍላይ ከኣ ከም ናይ ተንቅሳቓሲ ናይ ሕክምና ዓረብያ (ሮል ሽቱል) ምእካብን ምልኣኽን ክኸውን እዩ።
ልዕሊ ኩሉ ዝስራዕ ከኣ ብሓይሊ ጸሓያዊ ጽዓት (ሶላር) ዝሰርሕ ናይ ራጂ (ምመርመሪ) መሳርሒ እዩ። ኣብ ቀጻሊ ናይ ኤለትሪክ ሓይሊ ጸዓት ዘይርከበሉ ወይ ዘየተኣማምን ቦታን ኩነታትን ከምዚ ዝኣመሰለ ብሓይሊ ጽሓይ ዝሰርሕ መሳርሒ ምርካብ ዓቢ ጥቕምን ትርጉምን ዘለዎ እዩ።
ኣመል ብሕጊ ዝተመዝገበን
ዝተፈልጠን ናይ ረድኤት ማሕበር ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንስንኩላን ኤርትራውያን ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን እድራሻ፡

Amel e.V.
Postfach 160222
60065 Frankfurt
                                                                                   


                                                 

 

                                                                                                                                                                                    
ናይ ረድኤት መጠራቐሚ ሒሳብ፡

Spendenkonto :
Amel e.V
Postbank NL Dortmund
Konto.Nr. 723303460
BLZ: 44010046

ማሕበረ ረድኤት ኣመል ኣብ ወርሒ ሕዳር 2005 ዓ.ም. ብወ/ሮ ኣሕላም ዓሊ ሰዒድ ተመስሪቱ፡ ኣብ ጀርመን ሓደ ድልዱልን ጥርኑፍ መሰረትን ዘለዎ ማሕበር ኮይኑ ንክሰርሕ ዝተበገሰ ማሕበር እዩ።
እዚ ማሕበር’ዚ  ከኣ ንጥፈታቱ ንምስላጥ ዘድልዮ ናይ ማተርያላዊ ኾነገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ኣባላቱ ብዝረኸቦ ውጽኢትን ካብ ገበርቲ ሰናይ ዝግበረሉ ሓገዛትን ስለዝኾነ፡ ንኹሎም ዝሓግዙ ምስጋናኡ የቕርብ።